ትግርኛ ፊደል

ርክብ፡ ሰላምታ፡ ስራሕ

መንበሪ ወረቐት ዘለዎ ሰደተኛ ዲኻ፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድልካ ከተዕቢ ደሊኻ፧ ረፉጅ ታለንት ሁብ ንዓኻ ሓጋዚ እዩ። ንሓደ ካብ ፍጻመታትና ቀልጢፍካ ተመዝገብ ከምኡ’ውን ኣባና ኣመልክት ንዜናዊ-ደብዳቤ፡ መታን ኩሉ ጊዜ እዋናዊ ሓበሬታ ክበጽሓካ።

ረፉጅ ታለንት ሁብ እንታይ እዩ፧

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ኔዘርላንድ፡ ናብ ስራሕ ንምስታፍ ህንጥዩነት ኣለዎም። እንተኾነ ግን ኩሉ ስደተኛ ስራሕ ክረክብ ዕድል ኣይረኸበን። ሓደ ኣገዳሲ ጠንቂ ናይዚ፡ ስደተኛታትን ኣስረሓትን ሕጽረት ሓባራዊ ኔትዎርክ ኣለዎም። ብካልእ ኣባሃህላ ነንሕድሕዶም ኣይራኸቡን እዮም።

በዚ ምኽንያት ብዙሕ ተውህቦ፡ ፍልጥትን ጥበብን ይባኽን ኣሎ። እዚ ብመንጽር ረፉጅ ታለንት ሁብ ክረአ ከሎ ክሳራ እዩ። ናይ ስደተኛ ድሕረባይታ ዘለዎም ሞያተኛታት ናብ ስራሕ ምሕጋዝ፡ ድልየት ናይ ኩላትና ኣባላት እዩ። ጥቕሙ ከአ፡ንሕብረተሰብ ምኽንያቱ ስራሕ ኣብ ቅልጡፍ ምውህሃድ ስደተኛታት ኣስተዋጽኦ ይገብር፡ ንትካላት ምኽንያቱ ብዙሕነት ዓይነት ሰራሕተኛታት ርኡይ ዝኾነ ዓወታት ስለዘምጽእ፡ በዓቢኡ ከአ ንስደተኛታት ንባዕሎም። ምኽንያቱ ኣብ ስራሕ ምስታፍ ካብ ገንዘብ ትኽፈሎ ንላዕሊ ካልእ ጥቕሚ ኣለዎ። ስራሕ ኣለካ ማለት፡ ቅርጺ፡ ርክብ ምስ ሰባት ማለት'ውን እዩ። ከምኡ'ውን ተደላዩ ምዃንካ ስምዒት ይፈጥረልካ። ስራሕ ኣለካ ማለት፡ ኣካል ናይ ሓደ ነገር ኲንካ ማለት እዩ።

እዚ ስለዚኮነ፡ ረፉጅ ታለንት ሁብ ንተበግሶ ኣስራሕቲ ምርኩስ ብምግባር ንዓኻ ምስ ኣስረሓቲ ከነቀራርበካ ኢና። ዕድል ኣብ ስራሕ፡ ብምርኻብ'ዩ ዝጅምር።

ረፉጅ ታለንት ሁብ አንታይ'ዩ ዝገብር፧

ረፉጅ ታለንት ሁብ ቀጻሊ ዑደት ናብ ካምባኒታት፡ናይ ስራሕ ተመክሮ እትድልበሉ መደብ ከምኡ'ውን ካልኦት ምስ ስራሕ ምትእስሳር ዘለዎም ንጥፈታት ይውድብ። እዚ ኩሉ ዕድልካ ኣብ ምርካብ ስራሕ ንምዕባይ እዩ።

ኩሎም ብኔዘርላንድን እንግሊዘኛን፡ ኣንሕና እነዳልዎም ፍጻመታት ኣብዚ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ንጥፈታትና ንኣሽቱን ናይ ተግባርን ኮይኖም ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ እዮም ዝካየዱ። ኣንሕና ብቕርበት ምስ ንዓኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣስረሓቲ ንሰርሕ ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ትካላት ከም እን ትካል ስደተኛታትን ዩኣኤፍ። ንጥፈታትና ኣብ ሙሉእ ኔዘርላንድ ካብ ኣምስተርዳም ክሳዕ ኣርንሀም ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ጊዜ ቀልጢፍካ ናብ ሓደ ካብ ንጥፈታትና ክትመጽእ ደሊኻ፧

ቀረብና

1- ዎርክሾፕ

ኣብ ጊዜ ዎርክሾባት ንስኻ ምስ ኣስረሓትን ካልኦት ሰደተኛታትን ኮንካ ኣብ ሞያሚ ክእለትካ ትሰርሕ። ንኣብነት ዎርክሾፕ ናይ ሊንክድኢን፡ ስልጠና ምርካብ ስራሕ ወይ ኮርስ ምስራሕ ዌብሳይት። እዚ ንኣስርሓቲ ምሳኻ ክላለዩን ንዓኻ ከም ኣገዳሲ ሕጹይ ከላሉይኻን ቀሊል መንገዲ እዩ።

2- ርክብንሌላን

ኣብ ጊዜ ናይ ርክብን ሌላን ኣኼባ ንዓኻ ምስ ብዙሓት ኣስራሕቲ ንምርኻብ ዝዓለመ እዩ። ምስ ውሑዳት ግሩፕ (ምስ 5 ሰባት ወይ ካብኡ ንላዕሊ) ወይ ዓቢ ፍጻመ (ክሳዕ 100 ዝኾኑ ሰባት) ክንእከብ ንኽእል። እዚ መደብ ርክብን ሌላን ናይ ተግባር ኮይኑ ሓደ ነገር ትሰርሓሉ ባይታ እምበር ዘረባ ዝበዝሖ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ፋይናንሳዊ ትካል ናይ ቢዝነስ ግድል ንፈትሕ፡ ኣብ አንዳፎርኖ ባኒ ንስንክት ኣብ ኩባንያ ተክኒክ ነንኩልን መፍትሕ ንኣስርን። ምጻእ እሞ መን ይፈልጥ ኣብዚ እቲ ናይ መጻኢ ኣስራሒኻ ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውነ።

3- ስልጠና

ኣብ ቅልጡፍ ኮርስ ናይ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ፡ ኣገደስቲ ክእለት ትመሃር ከም ኮምፕዩተር ፕሮግራሚንግ ወይ ፍሉጣት ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት። እዚ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድልካ የዕብየልካ ከምኡ'ወን ንተሳተፍቲ ኣስራሕቲ ኣገደስቲ ሕጹያት ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ይሕግዞም።

4- መደብ ትምህርትን ስራሕን

ኣብ ጊዜ ናይ ስራሕ ፕሮግራም፡ ምሳኻ ዝሰማማዕ ሓጺር ውሽጣዊ ትምህርቲ ትቐስም። ድሕሪ ዕውት ምዝዛም ትምህርትኻ እቲ ኣስራሒ ብቐጥታ ኣብ ዝኽፈሎ ሰራሕ ይቖጽረካ።

5- መደብ-ምትሕግጋዝ

ኣብዚ መደብ'ዚ ኣንሕና ንዓኻ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ ኣስራሒ ነጻምደካ። ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ክልቴኹም ኣብ ጭቡጥን ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዘን ዕላማ ሓቢርኩም ትሰርሑ ከምኡ'ውን ዘለኩም ፍልጠት፡ ኔትዎርክን ተሞክሮን ትለዋወጡ።

ናብ ፍጻመታትኩም ከመይ ጌረ ክምዝገብ ይኽእል፧

ናይ መንበሪ ወረቐት ዘለዎ ስደተኛ ዲኻ፡ ከምኡ'ውን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ከተዕቢ ደሊኻ፧ ንሓደ ካብ ፍጻመታትና ቀልጢፍካ ተመዝገብ.ከምኡ'ውን ንዜናዊ-ደብዳቤ ብቕጥታ ኣመልክት። በዚ ኣገባብ ብዛዕባ ህሉዋት ንጥፈታትና ትፈልጥን ከምኡ'ውን ኣንሕና ብስም ኣስረሓቲ ናብ ውልቃውያን ሕጹያት ክንደሊ ከለና ንረኽበካ። ተወሳ|ኺ ኣንሕና ንጥፈታትና ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከምእን ኢንስተግራም፡ ሊንክድኢን፡ ፌስቡክን ንሕብር።

ሕቶ ኣለካ፧ ከይተወላወልካ ርኸበና። ኢመይል ስደደልና ወይ መልእኽቲ ብ ፌስቡክ.

ከም መዳለዊ ንርክብ ምስ ኣስረሓቲ ኣቐዲምካ ነዞም ዝስዕቡ ምድላው ኣገዳሲ እዩ።

• ሲቪ ድሉው ግበር። ነዚ ዝሕግዘካ ምኽሪ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል

• ዲፕሎማኻ ኣዐይሮ። ምዕያር ዲፕሎማ፡ ኣስርሓቲ ብዛዕባ ትምህርትኻ ዘለዎም ፍልጠት ብቐሊሉ ክርድእዎ የኽእሎም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከስ

• ቛንቛኻ ምምሕያሽ። ምኽሪ ደሊኻ፧ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል